Rédaction Africa Links 24 with Shabait Admin
Published on 2024-03-13 17:38:16
ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ፡ ሜጀር ጀነራል ሑመድ መሓመድ ካሪካሬ፡ ሎሚ 13 መጋቢት ኣብ መበል 73 ዓመት ዕድመኡ፡ ብሕማም ተሰዊኡ።
ኣብ ወርሒ ሚያዝያ 1969 ናብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዝተጸንበረ፣ኣብ ወርሒ ግንቦት 1970 ድማ ምስ ምውላድ ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ ካብ’ቶም ቀዳሞት መስረትቲ ዝዀነ ተጋዳላይ ሑመድ ካሪካረ፡ኣብ እዋን ሓርነታዊ ቃልሲ -ኣብ ተዋጋኢ ሰራዊትን ክፍሊ ኤምዳድን ብዝተፈላለየ ጽፍሒታት ሓላፍነት፣ኣዛዚ ባሕሪያ፣ ከምኡ’ውን ብደረጃ ኣባል ማእከላይ ሽማግለ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ዝተቓለ…
ድሕሪ ናጽነት ድማ፡ሜጀር ጀነራል ሑመድ ካሪካሬ፡ ኣመሓዳሪ ኣውራጃ ደንካልያ፣ ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ፣ ኣዛዚ እዚ ምብራቕ፣ ከምኡ’ውን ኣወሃሃዲ ግንባር መኸተ ልምዓት ምብራቕ ብምዃን፡ ክሳብ ዕለተ መስዋእቱ ንህዝቡን ሃገሩን ብብቕዓትን ተወፋይነትንኣገልጊሉ።
ሜጀር ጀነራል ሑመድ መሓመድ ካሪካሬ፡ በዓል ሓዳርን ኣቦ 4 ውሉዳትን’ዩ።
ስነ-ስርዓት ቀብሩ ድማ፡ ድሕሪ ጽባሕ ዓርቢ ሰዓት 10፡00 ቅድሚ-ቐትሪ ኣብ መካነ-መቓብር ሓርበኛታት ኣስመራ ክፍጸም’ዩ።
በዚ ኣጋጣሚ፡ ሚኒስትሪ ምክልኻልን ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራን፡ ብመስዋእቲ ሜጀር ጀነራል ሑመድ መሓመድ ካሪካሬ ዝተሰመዖም መሪር ሓዘን እናገለጹ፡ ንስድራ-ቤቱ፡ መቓልስቱን መሳርሕቱን ጽንዓት ይምነዩ።
Read the original article on Eritrean Ministry of Information


